ደስታ ጨርቆስ አሳታሚ ድርጅት / desta publishing plc

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ደስታ ጨርቆስ አሳታሚ ድርጅት / desta publishing plc

ደስታ ጨርቆስ አሳታሚ ድርጅት / desta publishing plc እዚ ዕላዊ ገፅ ፌስ ቡክ ቤት ሕትመት ደስታ ጨርቆስ እዩ።
This is an official page of desta cherkos printing press. Reading for Social Change.

14/11/2024
ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቤት ሕትመት ደስታ ጨርቆስ። ዘይልብም ቃኤል።
22/07/2024

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቤት ሕትመት ደስታ ጨርቆስ። ዘይልብም ቃኤል።

ንመስዋእቲ ቃል ዝኣተወ ትውልዲ። ህልውና ብዙሓት ብመስዋእቱ ከረጋግፅ ቃልኪዳን ዝኣተወ ወለዶ። ቃልኪዳን ንመስዋእቲ። ሰነድ፣ ብደም ናይ ዝተፅሓፈ ታሪኽ፣ ቃልኪዳን ንመስዋእቲ። ብክፍለ ሰራዊት...
23/05/2024

ንመስዋእቲ ቃል ዝኣተወ ትውልዲ። ህልውና ብዙሓት ብመስዋእቱ ከረጋግፅ ቃልኪዳን ዝኣተወ ወለዶ። ቃልኪዳን ንመስዋእቲ። ሰነድ፣ ብደም ናይ ዝተፅሓፈ ታሪኽ፣ ቃልኪዳን ንመስዋእቲ። ብክፍለ ሰራዊት ኳርተር ዝተሰናደአ መጽሓፍ፣ ኣብ ቀረባ እዋን። ካብ ቤት ሕትመትኩም።

ኩሉኹም ዕዱማት ኢኹም። ሰለስተ መፃሕፍቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ብጅምላ ክምረቓ እየን። ሽምብሮት፣ ወሬሳው ካሳ፣ እውነቱን ፍረዱ።
08/05/2024

ኩሉኹም ዕዱማት ኢኹም። ሰለስተ መፃሕፍቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ብጅምላ ክምረቓ እየን። ሽምብሮት፣ ወሬሳው ካሳ፣ እውነቱን ፍረዱ።

ወሬሳው ካሳ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ንመፅእ ኣለና፣ ክንበብ ዘለዎ ብሉፅ መጽሓፍ ሒዝና። በዓል 550 ገፅ ዘለዎ ወደል መፅሓፍ። ካብ ልደት ክሳብ መስዋእቲ ስሙይ ትግራዋይ መራሒ ሃፀይ ዮሃንስ ዘለ...
23/04/2024

ወሬሳው ካሳ፣ ኣብ ቀረባ እዋን
ንመፅእ ኣለና፣ ክንበብ ዘለዎ ብሉፅ መጽሓፍ ሒዝና። በዓል 550 ገፅ ዘለዎ ወደል መፅሓፍ። ካብ ልደት ክሳብ መስዋእቲ ስሙይ ትግራዋይ መራሒ ሃፀይ ዮሃንስ ዘለዉ እዋናት፣ ብዕምቆት ዘዘንቱ፣ ብነባር ፀሓፊ ይትባረክ ግደይ ዝተሰናደአ መፅሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን- ካብ ቤት ሕትመት ደስታ ጨርቆስ።

ኤፕሪል 23 በቢዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ መፅሓፍን መሰል ቅዳሕን ኣብ 1995 ዓ/ም ኣብ ፓሪስ ንፈለማ እዋን ምኽባር ተጀሚሩ። መተሓባበሪ እዚ በዓል ዩኔስኮ እንትኾን፣ ኣብ 2023 መዲና ኣፍሪዊ...
23/04/2024

ኤፕሪል 23 በቢዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ መፅሓፍን መሰል ቅዳሕን ኣብ 1995 ዓ/ም ኣብ ፓሪስ ንፈለማ እዋን ምኽባር ተጀሚሩ። መተሓባበሪ እዚ በዓል ዩኔስኮ እንትኾን፣ ኣብ 2023 መዲና ኣፍሪዊት ሃገር ጋና ኣብ ዝኾነት ኣክራ ዝተኸበረ እንትኾን፣ ሎሚ ድማ ኣብ 2024 ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ስትራስበርግ ኣብ ምኽባር ይርከብ። ዩኔስኮ ነዛ ዕለት ከም መዓልቲ መፅሓፍ ንምኽባር፣ ንምንታይ መሪፅዋ? ንዝብል ሕቶ ድማ ዓበይቲ ፀሓፍቲ ንዊልያም ሼክስፒር ሓዊሱ፣ ነዛ ዓለም ድኻም ተሰናቢቶም ዝዓረፉ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብምንባሩ፣ ነዞም ውፅኢት ብርዖም ክሳብ ሎሚ ዓለም እናገረመ ዝነብር፣ ከም በዓል ሙገል ዲ ሴራቫንተስ፣ ኢንካ ጋሪሲላ ዝኣመሰሉ ህቡባት ፀሓፍቲ መዓልቲ ዕረፍቶም ንምዝካር ብዝብል እዛ ዕለት ተመሪፃ።
ባህሊ ንባብ ኣብ ኣፍሪካ በዚ ኣጋጣሚ ክንድህስስ እንተለና፣ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝሕተሙ መፃሕፍቲ 95 ሚኢታዊ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝሕግዙን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣድሂቦም ዝፀሓፉን እዮም። እዚ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ተሰናቢቱ ኣብ ስራሕ ዓለም ንዘሎ መንበቢ ተባሂሉ ዝሕተም 5 ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ።
ናብ ሃገርና ትግራይ ንምፃእ
1. ትሑት ዝበሃል ባህሊ ንባብ ኣለና። ኣብ ዓመት 2 ወይ 3 መፅሓፍ ዘየንብብ ምሁር ገዝኡ ይቑፀሮ።
2. ብመዳይ ኣብያተ ትምህርቲ ንመፃሕፍቲ ዝትሓዝ ባጀት እቲ ዝነኣሰ እዩ።
3. ብመዳይ መንግስቲ፣ ትግራይና ኣብታ መዲናኣ እኳ ደረጅኡ ዝሓለወ ቤተ ንባብ ዘይብላ እያ።
4. ኣብ መሉእ ትግራይ ዘሎ ቁፅሪ ነጋዳይ መፅሓፍ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀር እዩ።

ገና ፀሓይ ቤት ሕትመትና ከይበረቐት እንተላ፣ ከምዚ ሎሚ ኣብ ክልቲኦም ኣእዳውና ብዝርከቡ ኣፃብዕትና ዝቑፀሩ ማሽናት ከየጥረና እንተለና፣ ከምዚ ሎሚ ናብ ዝተማልአ ትካል ሕትመት ከይተሰጋገርና...
20/03/2024

ገና ፀሓይ ቤት ሕትመትና ከይበረቐት እንተላ፣ ከምዚ ሎሚ ኣብ ክልቲኦም ኣእዳውና ብዝርከቡ ኣፃብዕትና ዝቑፀሩ ማሽናት ከየጥረና እንተለና፣ ከምዚ ሎሚ ናብ ዝተማልአ ትካል ሕትመት ከይተሰጋገርና እንተለና፣ ኣብ ታሪኽ ቤት ሕትመትና ናይ ፈለማ ዝኾነ መፅሓፍ ላዛ ራዮቶት ክነሐትመሉ ዝሓተተና፣ ሓውና ሹመይ ሮብሶ ናብ ቢሮና መፂኡ። ምቕሉል እዩ። ተፃዋታይ። ክኸፍለና ዝሓተትናዮ ገንዘብ ከፊሉ ተሰናቢቱና ወፀ። በዛ መፅሓፍ ዝጀመረ ግልጋሎት ሕትመትና ሎሚ ጨናፍሩ ኣስፊሑ፣ ማእለያ ዘይብሎም መፃሕፍቲ ኣብ ምሕታም ይርከብ። ትካልና ፅቡቕ ኣሎ። ሹመይ ግን ኣብ ከቢድ ኩነታት ጥዕና ከም ዘሎ ሰሚዐ። ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘምረሐ፣ ካብ ፈተውቱን መሓዙቱን ፈሊጠ። ሙሉእ ምሕረት ንሓወይ ሹመይ ሮብሶ እምነ። ህይወት ሓውና ተሓባቢርና ነትርፋ። ብንኽእሎ ንሓግዝ። ካብተን ኣብ ዝባን ሹመይ ሮብሶ ዘለዋ 50 ሎሚን ሓንቲ ኣልዒልና ሸኽሚ ሓውና ነቕልል።

Address

ትግራይ ፣ መቐለ ሮማናት አደባባይ ፊት ንፊት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ Tigrai Mekele Romanat Square Infront Of Tigrai Educational Office
Mekelle
1600

Opening Hours

Monday 08:30 - 20:00
Tuesday 08:30 - 20:00
Wednesday 08:30 - 20:00
Thursday 08:30 - 20:00
Friday 08:30 - 20:00
Saturday 08:30 - 20:00
Sunday 08:30 - 20:00

Telephone

+251914757039

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ደስታ ጨርቆስ አሳታሚ ድርጅት / desta publishing plc posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ደስታ ጨርቆስ አሳታሚ ድርጅት / desta publishing plc:

Share