27/07/2026
🚨 ቀታሊ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝነበረ እሱር ሃለዋቱ ጠፊኡ!
ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ንጀነራል ሰዓረ መኮንንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብምቕታል ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ዝነበረ ኣስር ኣለቓ መሳፍንት ጥጋቡ ሃለዋቱ ከምዘይተፈለጠ ተገሊፁ።
መሰረት ሚድያ ካብ ምንጭታት መንግስቲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ነቲ ተኸሳሲ ካብቲ ኣብ ቤት-ህንጸት ኣባ ሳሙኤል ዝርከብ "ዞባ 22" ዝበሃል ክፍሊ ወሲዶምዎ ኣለው። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ንምንታይ ዕላማን ናበይን ከም ዝወሰድዎ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ቤት-ህንጸት እውን ነዚ ፍጻመ ኣረጋጊጹ 'ዩ።
ኣስር ኣለቓ መሳፍንት ናይ ቀረባ ሓላው ጸጥታ ጀነራል ሰዓረ ዝነበረ እንትኾን፣ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦ እኳ እንተሓተተ ጠበቓታት ግና ቅድሚኡ ገበናዊ ሪከርድ ስለ ዘይብሉ ናብ ናይ ዕድመ ልክዕ ጽኑዕ ማእሰርቲ ከም ዝተቐየረ ይዝከር።
🔗 ፍልፍል፦ መሰረት ሚድያ