Kaza Mokozo ካዛ ሞኮዞ

Kaza Mokozo ካዛ ሞኮዞ Here in this page some Global politics, economic and geopolitical analysis will be given .

13/08/2024

Test

16/10/2022

ቃልሲና ኣንፃር ስርዓታት ዶስ ኣንፃር ውልቀሰባት
(ኣይንተሃከ ይነበብ‼️)
**********
ቃልሲ ዲፕሎማሲ ሕዚ እውን ብማእኸል ይመራሕ።በቢሃገሩ ዘሎ ዲያስፖራ ትግራዋይ ብጥርኑፍ ውዳበ ይመራሕ።ትኹረት ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲና ድማ ንፋሺሽታውያን ሓይሊታት ፊናንሳዊ ሓገዝ ኣብ ዝገብሩ ትካላትን መንገስታትን ይኹን።ኣብ ኹለን ዓዲታት ዝተጣየሻ ውዳበታት ዝመርሕ ጠንካራ ማእኸል ክህሉ ድማ ይገበር።ብቲ ሓዱሽ ወለዶ ዝምራሕ ናይቲ ነባር ዓቕሚ ዝጥቀም ጠንካራ ማእኸል ክህሉ ድማ ግድን ክኾን ኣለዎ።

ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝብሎ እቲ ቃልሲ ዘዐውቶ ሽቶ ነፂሩ ዝንቀሳቐስ ውህሉል ዓቕሚ ዘለዎ ናይ ጥርናፈ ማእኸል እንተዘይተፈጢሩ ድኽም ውዒልና ድኽም እንተነሓድር ውፅኢቱ ያው ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት "የተሓሳስበና ኣሎ" ዝብል እዩ ዝኸውን።ተወክልቲ መንግስቲ ነዚ ሓላፍነት ወሲዶም ግዜ እንተይሃቡ ክዓምሉ ይግባእ።እቲ ማእኸል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ናይ ዝርከቡ ደገፍቲ ቃልሲና ዝኾኑ ኣካላት ሰሚናራትን ፓነል ምይይጣትን ብምድላው እቲ ኣብ ልዕሌና ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ንምንታይ ዓለም ፀማም እዝኒ ከምዝሃበቶ ብምዝታይ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ምንቕናቕ ክፈጥር ዝኽእል ናይ ምሁራን፣ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ዝነጥፉ ተፅዕኖ ፈጠርቲ ካብ ዝኾኑ ሰባትን ሓደ ናይ "thinktank" ኮሚቴ ተሐጣይሹ ናብ ተግባር ዝእተወሉ ህፁፅ መስርሕ ክህሉ ይገበር።

ሓሳባቶም ብግልፂ እናቃልሑ ዝርከቡ ደገፍቲ ቃልሲና ዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝነጥፉ ምሁራንን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኣካላትን በቢፌስቡኩን ቲውተሩን ተበታቲኖም እዮም ብውልቆም እናተንቀሳቐሱ ዝርከቡ።ነዚ ዝተበታተነ ሓይሊ ናብ ሓደ ማእኸል ዝመፀሉ መንገዲ ፈጢርካ ሰፊሕ ምንቕናቕ ምፍጣር ዝከኣለሉ ኩነታት ክፍጠር ግድን ክኾን ኣለዎ።ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ብዓርሰ ተበግሶ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ኣዝዩ ዘሕብን ዋላ እኳ እንተኾነ ዝያዳ ውፂኢታዊን ኣድማዒን ዝኾን ግን ብዝተወደበ መንገዲ እንትምራሕ ጥራሕ እዩ።ኣድላዪ እንተኾይኑ እውን ክህልዎ ዝኽእል ውፅኢት ኣስሊሕኻ ካብቲ ትግራይ ንምድሓን ተባሂሉ ዝእከብ ገንዘብ ኣማኸርቲን ወይ ሎቢስትስ ተቖፂሮም ኣብ ልዕሊ ትካላትን መንግስታትን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ክፍጠረሉ ዝኽእል ስልቲ ቃልሲ ምጥቃም ሕዚ እውን ቁልፊ እዩ።

መራኸብቲ ሓፋሻትና እቲ ኣብ ልዕሌና ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ኣብ ኣየር ኣብ ዘውዕላሉ እዋን "ታርጌት ኦዴንሰን" መን ምዃኑ ብዝግባእ ሓሲበን ከቕርበኦ ኣለወን።ምንጪ ሓበሬታ ዓበይቲ ዓለምለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝኾናሉ ስልቲ ክህንድሳ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ ደገ ዘለዋ መራኸብቲ ሓፋሻትና እዚ ጉዳይ ብትኹረት ክሰርሓሉ ኣለወን።

ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ሓበሬታ እንነጥፍ ሰባት ካብ ተራ ህልኽን ሰሓቦ ጉተቶን ዓርስና ኣሊና ብዝተወደበ መልክዑ እናተናበብና ጭቡጥ ቃልሲ ክነካይድ ይግባእ።ዜና ዓወት ምጭንጫን ሓደ ነገር ኮይኑ ዘለናሉ ኩነታት ኣዝዩ ፈታኒ ስለዝኾነ ሎሚ ዓወት ሓፊስካ ማለት ፅባሕ ኣይትድፋእን ማለት ዘይምዃኑ ተረዲእና ብዚታት ዓጊብና ግዜና ሹሽ ኣብ ምባል ግዜና ክነሕልፎ የብልናን።ዘለናሉ እዋን ግዜ ዝህብ ስለዘይኮነ ኣዝዩ ዝተዋደደን ቅልጡፍን ርብርብ ምግባር የድሊ።

መንግስቲ ሕዚ እውን ዲፕሎማሲያዊ ርክባቱ ይፈትሽ።ድሌት ምዕራባውያን ኮኑ ካልኦት ተዋሳእቲ ኣካላት ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ውድብ ዝመርሖ መንግስቲ ስለዝኾነ ሃገራት ሙሉእ ሓገዝ ከይገብራ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረን ካብ መሰተጋብራት ተበጊሰን ስኽፍታት ከምዝህልወን ዝከሓድ ኣይመስለኒን።መንግስቲ ነዚ ስኽፍታ ክቐርፍ ዝኽእል ዝተተንተነን ዝጭበጥን መረጋገፂ ሒዙ ናብ ጠረጴዘአን ክቐርብ ኣለዎ።መንግስታትን ትካላትን ዓለም ምስ ስግኣቶም እዮም ክቐርቡና ዝፍትኑ ዘለዉ።

እቲ ኣብ ኣብ ኣርባዕተ ኪሎ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ፋሺሽታዊ ጉጅለ ዝፃወተሉ ዘሎ ሜላ ፀዋታ ግልፂ እዩ። ንሕና"we were liberal,but since it was hegemonic at that time,we were forced to be communist" ዝብል ኣቀራርባ እዩ ዝኽተል ዘሎ።ብተግባር ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ እውን ንሱ እዩ።ስለዚ መንግስትና ነዚ ብመሰረቱ ክቕይር ዝኽአል ኣተሓሳስባ ሒዙ ክቐርብን ክላዘብን ይግባእ። መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ተሃድሶ ከምዘካይድ የረጋግፀሎም። ካብኡ ሓቢርካ ዝረአ ጉዳይ እዩ ዝኸዉን።

ቃልስና ኣንፃር ስርዓታት ስለ ምዃኑ ብዝግባእ ናይ ፕሮፓጋንዳን ፖለቲካን ስራሕቲ ክንሰርሕ ይግባእ።ፋሺሽት ኣብይን ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ወዘተ እናበልካ ዝሰራሕ ፕሮፓጋንዳ ንፖለቲካዊ ልክዕነት ተሓሲቡ ዝስራሕ ስለ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ ኣይመስለኒን።ገጢሞምና ዘለው ፀላእቲ ስርዓታት እዮም። ብፋሺሽት ኣብይ ዝምራሕ ስርዓትን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓትን።እቲ ብፋሺሽት ኣብይ ዝምራሕ ዘሎ ስርዓት ናይቶም ዘድመዩና ሕሉፋት ስርዓታት መሰረታዊ ባህረያት ዝሓዘ ስርዓት ኮይኑ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ብደም ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ቢሄራት ኢትዮጵያን ዝጠልቀዩ ጀነራላት ደርጊ ከም ናይ ሃገር ሰብ ውዕለታ ገይሩ ዝቕበል ስርዓት እዩ ተሃኒፁ ዘሎ።ብኻልእ ገፅ ድማ ናይቶም ቅድሚ ስርዓት ደርጊ ዝነበሩ ንጉሳዊያን (ሃፀያዊ) ስርዓታት "empirical elements" ዝሓዘ ስርዓት ምዃኑ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ጠላዕ ሓቂ እዩ።ስለዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣንፃር ከምዚ ዝበሉ ስርዓታት እምበር ኣንፃር ውልቀሰባት ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።

ቃልሲና መዛዘሚኡ ኸ ኣበይ እዩ? ዝብል ሕቶ እውን ክምለስ ዘለዎ ይመስለኒ።እቲ ናይ መጀመርያ ንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ ምውሓስ ህልውናና ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ግን ህልውናና ብኸመይ እዩ ምውሓስ ዝከኣል።ትግራይ ሓራ ብምውፃእ ጥራሕ ዶስ ልዕሊኡ ክንከይድ ኣለና፤ብትኽክል ክረአ ዘለዎ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ።ትግራይ ሓራ ብምውፃእ ጥራሕ ህልውናና ክነውሕስ ንኽእል ዶ ዝብል ጉዳይ ክንሓሰበሉ ይግባእ።በቲ ሓደ ገፅ እቶም ፀላእቲ ዝተኽልዎ ዘለዉ ፀረ ህልውናና ዝኾነ ስርዓት ከንብረና ይኽእል ዶ ኢልና ንሕሰብ፣ በቲ ኻልእ ገፅ ድማ ካብታ ምዕራባዊት ሸነኽ ወፃኢት ካልእ ናይ ሰማይ ኮነ ናይ መሬት ዓለም ለኻዊ ዶብ እንተዘይሃልዩና ብኸምዚ ተኸቢብካ ምንባር ይከኣል ዶ ዝብሉ ቁልፊ ሕቶታት ኣንፈት ቃልስና ዝውስኑ ስለዝኾኑ ብጥልቀት ክሕሰበሎምን ነዚ ዝምጥን ቃልሲ ክነካይድን ኸም ዝግባእ ኩሉ ክግንዘብ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

Shalom ‼️

15/10/2022

እዛ እዋን‼️
*************
👉ብ15SEP ዝለጠፍኩዋ እያ ሕዊ እኽን ደጊመ ክልጥፋ‼️
~~~~~~~~~~~~
እዛ እዋን ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ወሳኒት እያ።እዚ ናይ መንቀራቕሮን ፈታኒትን መድረኽ በድህና ግድን ግድን እዩ።ነዚ ድማ ሓድነት፣ውፉይነት፣ምንባብ ወዘተ ወሳናይ እዩ።ፈፂሙ ካብዚ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የለን።ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘለው ፀላእቲ ብድሕሪኦም ዘሎ ሓይሊ ኣኸቲሎም ናይ መወዳእታ ዝበልዎ ወፍሪ ዳግም ካብ ዝጅምሩ እነሆ ልዕሊ 50 ማዓልቲ ተቖፂሩ ኣሎ።

ድሌት ፀላእቲና እንታይ ምዃኑ ኩሉ ስለ ዝፈልጦ ኣብዚ እዙይ እዙይ ኢልካ ምዝርዛር ፋይዳ የብሉን።ኩሉ ሰብ ክፈልጣ ዘለዎ መራር ሓቂ ግን ፀላኢ ብሙለእ እግሩ ከምታ ናይ ቅድሚ ሕዚ መሬት ትግራይ ናይ ምርጋፅ ዕድል እንተረኺቡ ግን(ዋላ እኳ ናይ ምዃን ዕድሉ ፀቢብ እንተኾነ) ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ጨፍጫፍ ብስልቲን ብዓይነትን ኣዝዩ ዝተፈለየ ጨፍጫፍ ክፍፅም ምዃኑ ፈፂሙ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ብምዃኑ ድማ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ቅድሚኡ ኣንፀላልይዎ ዘሎ ሓደገኛ ፅላሎት ተገንዚቡ እንተነኣሰ ሰልጢኑ ብኣካልን ብስነ-ልቦናን ድልው ክኸውን ይግባእ።

ኣብዚ እዋን እዚ ቡን ክጭልጥ ዝውዕል ሓተላ ከፃርር ዝውዕል ፈፂሙ ክህሉ የብሉን።ኣብ ከተማታት እናተሽሎኸሎኸ ዝውዕል ሰኳዕ መንእሰይ ዋላ ውዲነይ ይኹን ብታሪኽ ክፍረድ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።እዚ ማለት ግን ኩሉ መንእሰይ በረኻ ይስፈር ማለት ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ።ኣብዛ ሰዓት እዚኣ መቐላ ዕዮ ወሲዱ ኣብ ከድመዐሉ ዝኽእል ናይ ስራሕ ዓውዲ ተዋፊሩ ምስ ህዝቡን ሰራዊቱን ተሰሊፉ ክቃለስ ዘይኽእል መንእሰይ ታሪኽ እውን ክፈርዶ እዩ።እዚ መሰል እውን ኣይኮነን ብስሩ።ከም መንእሰይ መጠን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ እንትወድቕ ቤዛ ህዝቢ ናይ ምዃን ግዴታ እውን ስለዘለዎ።ነዚ ተረዲኡ ኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኢደይ ኢድካ ተባሃሂሉ ኣብ ኩሉ ግምባራት ተሰሊፉ ቤዛ ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ከረጋግፅ ይግባእ።

Shalom‼️

14/10/2022

ከም ህዝቢ ቀጥተኛ ባዓል ዋና እዚ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት(ነዋሕ ሸው ኣቢለልኩም ከም ኣመለይ 😂‼️)
************************
👉ካልኦት ሰብ ዋና ስሒተ ከምዘይኮንኩ ኣቐዲመ ክሕብር ይፈቱ።ኣብቲ ዋና ሃንዳሲን ቀላሲን ትኹረት ምግባር ስለዝደለኹ ጥራሕ እዩ።

///ሰናይ ንባብ////

ኣብዚ ተኣዊጁልና ዘሎ ደማዊ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ከም ህዝቢ ቐጥተኛ በዓል ዋና ህዝቢ ዓዲ ሰለስተ ምዃኑ ይሰመረሉ። ከም ሊሂቅ ድማ ናይ ዓዲ ኣርባዕተ ሊሂቅ ዝገንሖ ዘሎ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ምዃኑ ዝከራኸር ሰብ ዘሎ ኣይመስለኒን።ህዝቢ ዓዲ ሰለስተ ልቢ ክገዝእ ብተደጋጋሚ ፃውዒት ተገይርሉ እዩ።ሕዱር ዝኾነ እናተወራረሰ ዝመፀ ፅልኢቱ ግን ናብዚ ፃውዒት ገፁ ከይምለስ ሓኒቑ ሒዝዎ ኣሎ።እዚ ህዝቢ እዙይ ብቲ ጨካን ኣረሜናዊ ሊሂቅ ዓዲ ኣርባዕተ እናተመርሐ ንዓቕሚ እዛ ሃገር ተጎዝጒዙ እናተጎተተ መሰረታዊ ድሌቱ ታሪኽን ስልጣነን ህዝቢ ትግራይ ምውናን ምዃኑ ኩሉ ፈሊጥዎ ዝሓደረ ጉዳይ እዩ።ከም ህዝቢ ከይንህሉ፣ከም ከባቢ ትግራይ ዝበሃል ከባቢ ከይህሉ criminalize ንምግባር ቆሪፁ ዝተላዕለ ኣካል እዩ።እማን እዩ ከም ህዝቢ ኣልዒልካ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ምቕራብ ክህልዎ ዝኽእል ፅልዋ ስሒተዮ ኣይኮንኩን፣ሓቂ ስለዝኾነ ምግፋጡ ኣድላዪ እዩ።

1997ዓ/ም ትግራዋይ ንመቐለ ኣቕሓ ናብ ቀበሌ እናበለ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ዘለዎ ፅልኢት ብግልፂ ዝገልፅ ዝነበረ ሓይሊ እዩ።ድሕሪኡ ዘለዉ እዋናት እውን ክሻብ 2006 ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዋጅ ዘርኢ ምጥፋእ እናኣወጀ ዝመፀ ማሕበረሰብ እዩ።ኣብ ደገ ኾይኖም ነቲ ዝነበረ ሕዱር ታሪኻዊ ፅልኢ ዝያዳ ክዓሙቕ ኣብ ምግባር ንዓመታት ዘይተሓለለ ፃዕሪ ዘካይዱ ካብ ዝነበሩ ኣካላት እቶም ቀንዲ እዮም።እዞም ብስሞም ተሰይሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኣዋጅ ዝእውጁ ዝፀንሑ ኣካላት ናብ ዓዲ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ድማ ከም ህዝቢ ብዘይምንም ኣፈላላይ ናይ ጅግና ኣቀባብላ እዩ ገይርሎም።እዚ ማለት ሙሉእ ህዝባዊ ድጋፍ ነይርዎም፤ዕላማታቶም እውን በቲ ሰፊሕ ህዝቢ ቅቡል እዩ ነይሩ ማለት እዩ።

ኣብ 2008ዓ/ም ኣብ ዝተቐፃፀለ ህዝባዊ ዓመፅ ካብ ዝኾነ ከባቢ እዛ ሃገር ኣዝዩ ብዝተፈለየ ድማ ኣብ ውሽጢ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ይነብር ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ህዝቢና ዝበፅሐ ስቓይ ኩላትና ንፈልጥ ኢና።ጎንደር ድማ ቀንዲ ምስክር እያ። ልዕሊ 100,000 ነባራይ እታ ኸተማ ተፈናቒሉን፣ንብረቱ ተዘሪፉን፤ብኣሽሓት ዝቑፀር ህዝብና ድማ መስካሕኽሒ ብዝኾነ መንገዲ ተጨፍጪፉን እዩ።እዚ ኩላትና ደው ኢልና ብዓይነ ሕልናና ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ጭቡጥ ሓቂ እዩ።

በዚ እንተይተወሰኑ በዝሕና 5ሚልዮን ምዃኑ ብምጥቃስ ናታቶም 5ሚልዮን ንዓና ተመዲቦም ብምጥፋእ እቲ ቀሪ ዝበልዎ ናታቶም 25ሚልዮን ህዝቦም ብሰላም ክነብር ክንገብር ኣለና ኢሎም ንዝፍክሩ ሸፋቱ ከም ጅግና ወሲዱ ዝተቐበለ ማሕበረሰብ እውን እዩ።ትግራይ ንዓና ምንም ኣይኮነትን ዝፈቅድ እንተረኺብና እማ ክንጭብጣ ኢና፣እተን ዘለዋ መሰረተ ልምዓታት እውን ኩለን ንፈልጠን ኢና ወይ ክነዕንወን ወይ ክነምፀአን ኢና እናበሉ ንዝፍክሩ ሸፋቱ ከም ህዝቢ ፍሉይ ክብሪ ኣጎናፂፉ ከም ቢሄራዊ ጅግንኡ ቆፂሩ ተቐቢልዎም እዩ።

ኣብ መላእ እቲ ኸባቢ ይነብር ኣብ ዝነበረን ዘሎን ህዝብና ብግልፂ ብማዕኸናት ዜና እናተኣወጀ ኣዝዩ ብዘስካሕኽሕ መንገዲ ይርሸን፣ይቕተል፣ሃፍቱን ንብረቱን ይዝረፍን ይፈናቐልን ኣሎ።ንሳቶም ተቖፂፀሮምዎ ኣብ ዝፀንሑን ዘለዉን ብፍላይ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓደ ትግራዋይ ክተርፍ የብሉን ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም ዘርኢ ተጋሩ እንተስ እናቐተሉ እንተስ እናፈናቐሉ ካብቲ ኸባቢ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ደረጃ ክፅፂ ገይሮም እዮም።እዚ ተግባሮም እንትፍፅሙ ድማ ወንጀላት ፀረ ሰብኣዊነት፣ምፅፃይ ዘርኢን ወንጀላት ኲናትን ብዘስካሕኽሕ መንገዲ ከም ሕብረተሰብ ፈፂሞም እዮም። ዓበይቲ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም እውን ምልክታት ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ወንጀላት ተፈፂሞም እዮም ክብሉ ቅድሚ ከባቢ ሓደ ዓመት መስኪሮም እዮም።ሕዚ እዚ ምልክት ናብ ሙሉእ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ደረጃ ኣዕብዮም ኣብ ርሱን ሃይሃይታ ይርከቡ ኣለዉ።ሕዚ እውን ከም ማሕበረሰብ ቀንዲ ተዋሳእቲ ንሳቶም ምዃኖም ብግልፂ እንሪኦ ዘለና ወድዓዊ ሓቂ ኾይኑ ኣሎ።

ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ንምውራድ ኾነ ኢሎም ወፊሮምን ክፍፅምዎ ካብ ዝሓሰቡዎ ግፍዒ ፈፂሞምን።ሕሉፍ ሓሊፉ ኣዶ ማሕፀን ትግራይ ከይወልድ እናተባህለ ብሓፃዊን እናርሰኑ ማሕፀናት ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይን ብዘስካሕኽሕ መንገዲ ዝጠበሱ ኣረሜናት እዮም።እዚ ሱቕ ኢሉ ኣብ ናይ ሓንቲ ወርሒ ተጎንፎ ዝተፈጠረ ፅልኢት ዝመስሎ ትግራዋይ እንተሃልዩ ይቅርታ ንቓሉ ዓሻ እዩ ማለት እዩ። ንዘደፈርወን ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን ድምክን ከማና ክትኮና አንፅርዮ ዘለና እናበሉ እንትደፍርወን ኣብ ልዕሌና ዘማዕበልዎ ፅልኢ ክንደየናይ ኣዝዩ ዝዓሞቐ ምዃኑ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ።

መላእ ትግራይ ተቖፃፂሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን እውን ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒታት እንትፍፀም ከም ህዝቢ ሓጎሱ እናገለፀ ዝመፀ ህዝቢ እዩ።ከም ህዝቢ ንብረት ህዝቢ ትግራይ በቲ ዝተፈጠረሉ ኣጋጣሚ ዘሚቱን ኣዕንዩን እዩ።እዚ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት እዛ ዓዲ ብግልፂ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣንዳዕዲዑ ዝገለፆ ሓቂ እዩ።መሰረታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምዕናው ልኡኽ ሒዙ ከም ዝወፈረ ብዘይሕንከት ተጠሊዑ ገሊፁልና እዩ።እዚ ካብ ዘለዎም ሕዱር ፅልኢ ዝብገስ ምዃኑ ድማ ዘጠራጥር የብሉን።

ናይ ትግራይ ዕጫ ናይ ቢያፍራ ዕጫ ክኸውን ብሙሉእ ትኹረት ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ርኡይ ሓቂ እዩ።ቅድሚ 4/5 ዓመት ኣቢሉ ዝጀመርዎ ዕፅዋ ቀፂሉ ሎሚ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ዓፅዩ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ካብ ምድረገፅ ክጠፍእ ኹሉ ዓቕሙታቱ ኣዋዲዱ ዝሰርሕ ዘሎ ህዝቢ እዩ።ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መራሕቱን ዘለዎ ፅላኣት ንምግላፅ ትግራዋይ ትግራዋይ ብምዃኑ ጥራሕ ብሂወቱ ብሃልሃልታ ሓዊ ዝጠበሱ ከም ህዝቢ እውን ብዘይካ ውሑዳት ከም ቅቡል ዝወሰዶ ህዝቢ እዩ።ብሰንኪ ከምቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩለመዳያዊ ዕፅዋ ከባቢ 3ሚልዮን ዝኾኑ ቢያፍራውያን ብጥሜትን ስእነት ሕክምናን ካልኦት ተዛመድቲ ማሕበራዊ ግልጋሎታትን ኸም ዝሃለቑ ታሪኽ የዘንቱ።ካብዚ ህልቂት ውሽጢ ድማ እቶም ሰለስተ ርባዕ ህፃናት ምንባሮም እዩ ዝሕበር።

ካብ ህለቂት ቢያፍራውያን እዚ ህዝቢ ከም እዝጊ ወይ ፈጣሪ ዘምልኾም ዝነበረ ጨካን ናይ መወዳእታ ንጉስ ናይዛ ሃገር ቁልፊ ተራ ከምዝተፃወተ እውን ታሪኽ መዝጊብዎ እዩ ዝርከብ። እዚ ኣብ ልዕሊ ቢያፍራውያን ዝበፅሐ ህልቂት ኣብ ልዕሌና ክበፅሕ ከም ቁልፊ ዕላማ ወሲዱ ናይ ባዕሉ ርኡይ ግደ ዝፃወት ዘሎ ህዝቢ ኾይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ንምብራስ ናይ ውሽጢ ዓቕሚ ጥራሕ እንተይኮነስ ነቲ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ኣራዊት ናይ ዓዲ ኣርባዕተ ሊሂቅ ተጠቒሙ ደንበ ደጋዊ ሓይልታት ዓዲሙ ዝወፈረ ህዝቢ እውን እዩ።ሕሉፍ ተሓላቒ ሓላዊ ሃገር ክመስል ካብ ዝለሓሓፅ ህዝቢ ናይ ተንኮልን ክፋእን ከምኡ እውን ናይ ባንዳነት ጫፍ ዝኾኑ ካብ ኣብራኹ ዝወፁ ደቁ ምስ ባዕዳውያን ወረርቲ ተሰሊፎም ሉኣላዊነት እታ ከም ህዝቢ ፀፍጭልጥ ዝብለላ ሃገር ከም ዘይነበረ ደዃዕዃዕ እናበሉዋ ብሞትን ህልቂትን ተጋሩ ክጭንድር ዝውዕል ህዝቢ እዩ።

ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝነብር ትግራዋይ እናተሓፈሰ ፎቖዶ "ኦሺውቲዛት" ክዳጎንን ነዚ ተግባር ንኽፍፅም ብዝተዳለወ ዕጡቕ ሓይሊ ወይ"ሹትዝስታፈል" ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኡ ንኽፍፀምን ቁልፊ ተራ ዝተፃወተ ከም ማሕበረሰብ እዚ ማሕበረሰብ ምዃኑ ኩሉ ክፈልጥ ይግባእ።ካልኦት ዘስካሕኽሑን ዘሰንብዱን ግፍዒታት እውን ምዝርዛር ይከኣል።እዚ ካብቲ ባሕሪ ክንዲ ነጠብጣብ እየ ዝገልፆ ዘለኹ።እዚ ኹሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሌና ተፈፂሙ እንተብቅዕ ሰራዊትና ተቖፂፀሮምዎ ኣብ ዝፈልጥ ቦታታት ግን ሕነ ክፈዲ እኳስ ኣይበለን።ህዝቢ ከም ህዝቢ ከረጋግእ ጉዳዩ ምስ ህዝቢ ከምዘይኮነ ከምህር እዩ ዝረአ ነይሩ።ከምቲ ዝዘመትዎ ሃፍቲን ንብረትን ውልቀሰባትን መንግስትን ክዘምትን ከዕኑን ኣይበለን።እዚ ግን ወይ ከም ዕሽነት ቆፂርዎ ኣሎ ወይ ከም ዝርሒ ቆፂርዎ ኣሎ።ሕዚ እውን ግን ተደጋጋሚ ፃውዒታት ይግበረሉ ኣሎ።ዋላ እኳ ብጣዕሚ ንኡሽተይ ምምሕያሻት እንተሃለወ ሕዚ እውን ግን ካብታ ዝተለወሳ ናይ ፅልኢ ጀቕጀቕ ፊሕጥ ክብል ድሌትን ተበግሶን የብሉን።ስለዚ ቃልሲና ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ዝያዳ Multidimensional approach ክሕዝ ዝግባእ ይመስለኒ።

Shalom ‼️

14/10/2022

ሰላማት🖐

እና ኢትዮጵያ ኣየርላንድን አስጠነቀቀች ነው የምትሉኝ😂‼️ ምፅኣተ ዓለም መጣ በሉኛ።
ዘንቢሉ አንጠልጥሎ ዲሲ የገባ ቆርፋድ ለማኝ ቀለዋጢ ብዱን ኣየርላንድን አስጠነቀቀ ስትሰማ ምንኛ አይነደረቆችና የደነቆሩ ደፋሮች መሆናቸውን ቁልጭ አድርጎ የሚያሳይ ነው።

ገድ ዓይኒ‼️

Shalom እማ‼️

12/10/2022

ሎሚ እውን የተሓሳስበን ኣሎ 😂😂❓
*****************
አሜሪካን ሰዓብታን ሎሚ እውን የተሓሳስበና ኣሎ ዝብል መግለፂ ኣውፂአን ዲኹም ትብሉናቲ‼️በየናይቲ ኔድ ፕራይስ ዝበሃል ቤት ዕዮ ዝተወሃበ መግለፂ ሪአን ሰሚዐንስ ገሪሙኒ። እንታይ እዮም ዝደልዮ እዞም ሰባት ድማ ይብል እምበርኳስ እንታይ ከምዝደለዩስ መዓዝ ጠፊኡኒ ዋ።ልዕሊ ኹሉ ድማ ኩነታት እናሓለወ ዘተሓሳስቦም እዩ ዘግርመልካ።To be clear ምዕራባውያን ሕዚ እውን they were very confident in one thing ብፍላይ በቲ ምዕራባዊ ግምባር።ሎሚ ግን ርእሰ ምትእምማኖም ፈፂሙ ስሕተት ምዃኑ መደምደምተኦም ስሕተት ምንባሩ ደጊሙም ዝገምገሙ ይመስለኒ።

ብዝኾነ ዝተኣከበ ዓሳው ዓሰስ ገሰስ ይተኣከብ ድሮ ከም ሓሸዋ ድዋሕዋሕ ክብል ጀሚሩ ኣሎ።በቶም ገዲፍናዮም ዝወፃና ቦታታት ከም ብሓዱሽ ጀሚሩ ዋላ እኳ እንተነበረ መልሱ ግን ቀሊል ኣይነበረን ኣይኮነን ኣይኸውንን እውን። ስለዚ ብኡ እውን እንተኾነ ወስ ዘዝበለ ሓየትና ቅርሽም እናበሎ እዩ ዝርከብ።ኣብዚ ህሞት እዚ ምዕራባዊያን ዓዎዓው ምባለን ምስቲ ደብረብርሃን ክንበፅሕ እንተለና ዝነበረ ዓውዓው ተመሳሳሊ ኾይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።ስግኣተን ግልፂ እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእኸል ሃገር እዙይ ዝበሃል ሓይሊ ስለዘየለ እቲ ኣብቶም ግምባራት ዘሎ ሓይሊ collapse እንተገይሩ ሰጋር ኣስናኑ እናመወፅፀ ፊንፊኔ ምዃኑ ኣንዳዕዲዖም ተገንዚቦሞ ምዃኖም ዘተሓታት ኣይኮነን።ብምዃኑ ድማ እዛ ናይ ሕዚ ጫውጫው ኩሓሎ መሲለን መንቆሮ ዝዓይነታ ጫውጫው እያ።

እዚ ኹሉ ናይ ኣየር ቡንቧ ኣብ ልዕሊ ንፁሐን ወገናትና ኸም ኣይሂ እንትዘንብ፣ናይዚ ኹሉ ተወንጫፊ ቁምቡላ ኣብ ልዕሊ ከተማታትን ብሓፈሻ መሬት ትግራይ ሃልሃል እንትብል ኣይረኣየንን ድዩ ኾይኑ፤አረሜናዊያን ወርቲ ኣብ ዝተቆፃፀርዎ መሬት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ዝነበሩን ዘለውን ግፍዒ ኣይተራእዮምን ድዩ ኾይኑ ሕዚ ሃንደበት በርደግ ኢሎም ተኹሲ ምትዃስ ጠጠው ኣብሉ ዝብል ኣሽካዕላል ዘሽካዕልሉ‼️እቲ ተኹሲ ጠጠው ምባል እኮ ልዕሊ ማንም ንደልዮን ንብህጎን ግን ብሰንኪ መጋበርያታቶምን ደጋጊምና ንዕደሎ የለናን።በዚ ንደናገር ዘለና ከይመስሎም ምእንተ እታ ሞጎጎ ትሕለፍ እታ ኣንጭዋ ኢልና እንደገና ዓቕምና እውን መዚንና እምበር ከም ተግባሮምስ ካልእ ክትውስን ዘገድድ እዩ ነይሩ።

እቲ መግለፂ ክንጥቀመሉ ከም ዘለና ጠፊኡኒ ኣይኮነን ክንፈልጦም ከም ዘለና እውን ግን ምርዳእ ወሳናይ እዩ ካብ ዝብል እየ ሓሳበይ ወስ ኣቢለ ዘለኹ።

Shalom ‼️

12/10/2022

ንምንታይ ንሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ ይስዕብ(Why do I follow people in social Media)❓
*******************
ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ንሰባት ዝስዕበሉ ምኽንያት፦ ግልፂ ንምግባር(The reason why I follow people in social media is) ኣብቶም ዝስዕቡ መሰረታዊ ነጥብታት መሰረት ብምግባር እየ።

👉1)ሰባት ኣብ ዘልዕልዎ ጉዳይ ወይ ኣርእስቲ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ።(To exchange or share ideas on the issues or topics raised.)
👉2)ጠቐምቲ ሓሳባት ናብ ካልኦት ንዝበለፀ ምይይጥ ንምብፃሕ፣ብኣንፃሩ ንዘኾኑ ድማ ክእረሙን ህዝቢ ኽጥንቀቕን ንምግባር(To share important ideas to others and to alert if they are to the opposite.)
👉3)ካብ ሰባት ተምህርቲን ተሞኩሮን ንምቕሳም (To take lessons or to learn from others )

ኣብዞም ሰለስተ መሰረታዊ ቁምነገራት መሰረት ገይረ ንሰባት እንትስዕብ ድማ ከም ቅድመ ኹነት ዘቐምጣ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የላን።ተፈላጢ ይኹን ዋላ ሓደ ዝስዕቦ ዘየብሉ፣ ፅዕንቶ ፈጣሪ ይኹን ኣይኹን፣በዓል ስልጣን ይኹን ኣይኹን ወዘተ ፈፂመ ከም መዐቀኒ ወሲደ ኣይፈልጥን ንወደፊቱ እውን ኣይወስድን።ትኹረተይ ኣብቶም ዝለዓሉ ሓሳባት ጥራሕ እዩ። ዋላ ሓሙሽተ ተኸተልቲ ዘለውዎ ሰብ Consistently ጠቐምቲ ሓሳብ ዘልዕል እንድሕር ኮይኑ ሻድሻይ ኮይነ እየ ዝስዕቦ።ሚልዮናት ተኸተልቲ ሃልዮምዎ ግን ድማ ስነ-ምግባር ኣልቦ፣ስርዓት ዘየብሉ ኮታስ ኣብ ህወተታ ግዚኡ ንዘሕልፍ ንዝኾነ ሰብ እውን ይስዕቦ።ምኽንያት፦ካብቶም ሕማቕትን ንህዝቢ ረብሓ ዘይብሎምን ህውተታት ክመሃርን ንህዝቢ እውን ከምህርን እስዕቦ።

ስለዚ ንሰባት ክትስዕቡ እንተለኹም ብምኽንያት ይኹን።ወዲ ኸባቢና ስለዝኾነ፣ብዙሓት ተኸተልቲ ስለዘለውዎ ከም ተፅዕኖ ፈጣሪ ወሲድና፣ወይ ናይ ሓደ ትካል ወናኒ ወይ ዝነኛ ስለዝኾነ ወዘተ ዝመሳሰሉ መለክዒታት ደርዲርካ ምስዓብ(follow ምግባር) ትኽክል እዩ ዝብል እምነት የብለይን።We have to follow ideas not personalities መልአኽተይ እዩ።

ነዛ ሓሳብ ከልዕል ዝገበረኒ ጉዳይ እቲ ናይ ሎማዓንቲ ኣብ ፌስቡክ ኣጋጢሙ ዝነበረ ተኸተልቲ ሃንደበት ናይ ምቕናስ ኣጋጣሚን ንዕኡ ስዒቡ ዝተንፀባረቑ ግብረመልሲታትን (Reactions)እዩ።እንተተሰሓሒተ ድማ ክእረም ድልው እየ።

ወደሓንኩም‼️

Shalom ‼️

23/04/2021

Is Ethiopia an Empire and remains to be an Empire if it is?

Definitely yes!!

👉Necessary preconditions in order for an empire to exist are:-

1. State-level government
2. High agricultural potential of the environment
3. An environmental mosaic
4. Several small states with no clear dominant power
5. Mutual antagonism among those states
✍️ A relationship in which the effect of competition between two or more states(inter specific competition) exceeds that of competition within each states (transpacific competition)
6. Adequate military resources

👉Basic Characteristics

1. Build roads and transportation systems, canals, ports, etc.
2. Trade increases between the sates
3. Cosmopolitan cities:-
✍️ Cities where people from various parts of the states live, with different languages, cultures and customs together.
✍️ A cosmopolitan city can be understood as the city which hosts people coming from different ethnicities, beliefs and cultures.
4. Effective bureaucracy to ensure communication, collect taxes, oversee coinage, ensure the emperor's law are enforced.
5. Common official language.
6. System of justice, law for entire empire.
7. Citizenship or rights extend in some degree to conquered.

👉Empires fall because.

1. Failure or leadership; focus on wealth
2. Ideology of expansion and conquest leads to attempting new conquests beyond a practical limit
3. Lack of new conquests erodes economic base and lessens faith in ideology that supported the empire
4. Rebellions from within/challenges from without.

Address

Aksum

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Kaza Mokozo ካዛ ሞኮዞ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Kaza Mokozo ካዛ ሞኮዞ:

Share