መታን ጽባሕ ክሓሽ ካብ ሎሚ

መታን ጽባሕ ክሓሽ ካብ ሎሚ እዛ ፔጅ ንትምህርታዊ ንጥፈታት እንዳሰሓቅካ ዝቕርበላ ፔጅ ኢያ።

Yes or no?🤷🏾‍♂️👋🏾
29/10/2021

Yes or no?🤷🏾‍♂️👋🏾

14/10/2020

እንተመቒልካዮ ንስቓይ ይኾነልካ ፍሪ ይመስለኒ እንተመቒልካዮ ንፍቕሪ ግን ይኾነልካ ዕጽፊ ኢሎምኒ ኣቤላ 'ታ ናተይ መማቕልቲ ፥ ትሰማማዓኒ ካልኣይቲ ክንፊ ናይ ሓንቲ ዑፍ ኮይና ተብርረኒ ከማይ ከማይ ካልኣያ ትደሊ ከማይ ከማይ በይነይ'የ ትብለኒ

ሓፍ ሓፍ ይብል ከብደይ ፥ ልበይ እንክሽገር ሽፋን ከዲንክኒ ዓለም ጠሚተያ ብሓዲሽ መነጸር ደበና ጠሚተ ፥ ዕምበባ ሸቲተ ፥ ምስ ንፍስ ቢሒተ ይኸሰኪ'ሞ ይንእደኪ እዋይ ናይ ፍቕሪ ነገር

መን ኢዩ ቀድሙ ዝሰቲ፧🤷‍♂️
28/08/2020

መን ኢዩ ቀድሙ ዝሰቲ፧🤷‍♂️

18/07/2020
12/03/2020

# ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ምስ መልስታተን ንታዓዘብ
1. ጠንቂ ሕማም ኮሮኖ ቫይረስ እንታይ'ዩ
# ካብ እኩባት ስድራቤት ቫይረስ ዝመጸ'ዩ

2. ምልክታት ኮሮኖ ቫይረስ
* ሰዓል
* ጸረርታ ኣፍንጫ
* ረስኒ
* ቃንዛ ርእሲ፡ ጭዋዳ
* ድኻም ኣካላት
* ሕጽረት ምስትንፋስ
* ሕበጥን ምልሕታትን ጎሮሮን

3. መታሓላለፊ ሕማም ኮሮኖ ቫይረስ

* ብቀጥታዊን ዘይቀጥታውን ኣካላዊ ምትንኻፍ ( ሰላምታ ፡ ምትሕቑቓፍ፡ )
* በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ዝተንከፎ ነገራት ብምሓዝ
* ብምህንጣስ
* ብምስዓል

4. መከላኸሊ ኮሮኖ ቫይረስ

* ካብ ኣካላዊ ምትንካፍ ምርሓቕ
* እድካ ብግቡእ ብሳምናን ማይን ምሕጻብ
* ኣብ ትህንጥሰሉን ትስዕለሉን ኣፍንጫኻን ኣፍካን ምሽፋን
* እንቃቅሖን ስጋን ብግቡእ ምብሳል
* ብ ኣልኮሆል ስተሰበነ ፈሳሲ ( disinfectant) እድካ ቀጻሊ ድሕሪ ነገራት ምሓዝካ ምድራዝ
*ካብ ዝተለኽፈ ሰብ ብውሕድ ናይ 6 ጫማ ማለት 1.8 ሜትሮ ብምርሓቕ distance ክህልወና ኣለዎ ብዘይምቕራብ።

5. ኣብ ክንደይ መዓልቲ ክፍለጥ ይክኣል
ካብ 2ተ ክሳብ 14 መዓልቲ

6. መድሃኒት ኮሮኖ ቫይረስ
* መድሃኒት ዛጊት ኣይተረኽቦን

7. ክታበት ኮሮኖ ቫይረስ
* ክታበት ዛጊት ኣይተረኽቦን ።

Health | ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘህድኡ መግብታትቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም ሰባት፡ ነቲቃንዛ ንምህዳእ ዝሕግዝ መድሃኒት ወይመርፍእ ክወስዱ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ።እቲ መድሃኒት ግና ንግዚኡ ደኣ’ምበ...
24/02/2020

Health | ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘህድኡ መግብታት

ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ
ቃንዛ ንምህዳእ ዝሕግዝ መድሃኒት ወይ
መርፍእ ክወስዱ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ።
እቲ መድሃኒት ግና ንግዚኡ ደኣ’ምበር፡
ካብቲ ቃንዛ ዝኣሊ ዘላቒ መፍትሒ
ኣይኮነን። መብዛሕትኦም እቶም ቃንዛ
ዓንዲ ሕቖ ንምቕላል ተባሂሎም
ብሓካይም ዝእዘዙ መድሃኒታት’ውን
ናይ ገዛእ ርእሶም ኣሉታዊ ሳዕቤን
ኣለዎም። ገለ ካብኦም’ውን ወልፊ
ዘትሕዙ ኢዮም። ኩሎም ቃንዛ ንምህዳእ
ዝሕግዙ መድሃኒታት፡ ንግዚኡ ነቲ ቃንዛ
ኢዮም ዘቕልሉ’ምበር ነቲ ጠንቂ ናይቲ
ሕማም ንምፍዋስ ዝሕግዙ መድሃኒታት
ከም ዘይምዃኖም ኣስተብህል። ስለዚ፡
ኣብ ክንዲ ነቲ መድሃኒት ምውሳድ፡
ነቲ ቃንዛ ከህድኡ ዝኽእሉ መግብታት
ከም ዘለዉ ኢዮም ክኢላታት ዝጠቕሱ።
እቶም መግብታት ኣብ ጥዕናኻ
ዘውርድዎ ጎዳኢ ሳዕቤን ስለ ዘይብሎም
ድማ፡ ካብ መድሃኒት ምውሳድ ዝያዳ
ክትመርጾም ከም ዘለካ የመልክቱ።
ኩሎም እቶም መግብታት ወልፊ
ዘትሕዙ ብዘይምዃኖም’ውን ካብ
መድሃኒት ዝያዳ ተመራጺ ይገብሮም።
ገለ ካብቶም መግብታት ንምጥቃስ፦
ሓምላይ ሻሂ (Green Tea)፦ ክኢላታት
ከም ዘመልክትዎ፡ መዓልታዊ ካብ 2
ክሳብ 3 ኩባያ ሓምላይ ሻሂ ምስታይ፡
ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ምሉእ ብምሉእ ከም
ዘህድኦ የመልክቱ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡
ቆጽሊ ሓምላይ ሻሂ፡ ምራተ ኣካላት
(antioxidants) ንምቅላል ዝሕግዝ
ልዑል መኣዛዊ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ ኢዩ።
ነቲ ሓምላይ ሻሂ ብምጡን ኣገባብ ናይ
ምውሳዱ ልምዲ ምስ እተጥሪ ድማ፡ ኣብ
ኣካላትካ ዝርከብ መርዛም ንጥረ ነገር
(toxic substances) ከም ዘመዓራርዮ
እቶም ክኢላታት የመልክቱ። በዚ ድማ
ቀልጢፍካ ንኸይትኣርግ ይሕግዘካ።
ፍረ ጎምጠጥ/ ዓጋም (Berries)፦
ቃንዛ ኣካላት ብፍላይ ድማ ቃንዛ ዓንዲ
ሕቖ ኣብ ምህዳእ፡ ምራተ ንምክልኻል
ዝሕግዝ ንጥረ ነገር (antioxidants)
መሰረታዊ ካብ ኮነ፡ ፍረ ጎምጠጥ/ ዓጋም
ነዚ ተግባር’ዚ ዘሐይሉ ሓያሎ መኣዛዊ
ትሕዝቶ ኣለዎም። ከም ስትረው በሪ፡
ብሉበሪ፡ ራስፕበሪስ ከምኡ’ውን ኣካበሪስ
ንምቅጻል ሰብነት ዘቃልሉ ንጥረነገራት ኣለዎም። ፍረ-ዓጋም፡ ኣካላትና
ንዝተፈላለዩ ሕማማት ንኽንጻወር
ዝሕግዞ ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚን ‘ሲ’
እውን ኣለዎ።
ኣናናስ (Pineapples) ፦ እዚ
ብቫይታሚን ‘ሲ’ ዝሃብተመ ናይ
ትሮፒካዊ ክሊማ ፍሩታ’ዚ ምቅጻል ኣካላት
ሰብነት ንምእላይ ዝሕግዝ ኢንዛይም
ዝሓቖፈ ኢዩ። ሓድሽ ፍረ ኣናናስ፡ ኣብ
ርእሲ’ቲ ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ንምህዳእ
ዝህልዎ ጥቕሚ፡ ብጽሕጊ ዝመልአ
ብምዃኑ ድርቀት (constipation) ኣብ
ምእላይ ይሕግዝ።
ስጋ (Meat)፦ ስጋ ልዑል ፕሮቲን ዘለዎ
መግቢ ብምዃኑ፡ ብቓንዛ ዓንዲ ሕቖ
ዝሳቐዩ ሰባት ብተደጋጋሚ ክወስድዎ
ዝበለጸ ኢዩ። ፕሮቲን – ተሪር ጭዋዳን
ድልዱላት ኣዕጽምትን ክህልወካ ልዑል
ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ። ይኹን’ምበር፡ እቲ
ትወስዶ ዓይነት ስጋ፡ ዝተዓሸገ ዘይኮነ
ሓድሽ (fresh)፡ ከምኡ’ውን ስብሒ ዘለዎ
ክኸውን የብሉን።
ቅብኣት ዘለዎም ዓሳ (Oily Fish)፦
ቅብኣት ዘለዎም ዓይነታት ዓሳ፡ ብትሕዝቶ
ፕሮቲን ብቐዳምነት ኢዮም ዝጥቀሱ።
ቱና፡ በያድ፡ ሳርዲን፡ ሳልሞን ገለ ካብቶም
ልዑል ቅብኣት ዘለዎም ዓይነት ዓሳ
ኢዮም። ኩሎም እዞም ዓሳታት ኣብ
ርእሲ’ቲ ዝህብዎ ፕሮቲን ኦሜጋ -3
(omega-3) ዝተባህለ ቅብኣዊ ኣሲድ ስለ
ዘለዎም፡ ካብ ቀሓርን ምቅጻል ኣካላት
ከም ዝከላኸሉልና ክኢላታት የረድኡ።
ሶያ/ ፋጆሊ (Soy Protein)፦
ብኦክላሃማ ዩኒቨርሲቲ – ኣመሪካ ዝተኻየደ
መጽናዕቲ ከም ዘነጽሮ፡ ሶያ ብብዝሒ
ዝበልዑ ሰባት ካብቶም ዘይበልዑ ብቓንዛ
ዓንዲ ሕቖ ዝሓሹ ኮይኖም ተረኺቦም።
ህሩድ (Turmeric Powder)፦ ቃንዛ
ዓንዲ ሕቖ ክትኣልዮ ትደሊ እንተዄንካ፡
ኣብ እትወስዶም መግብታት ህሩድ
ክትሕውስ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ኢዩ።
ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘህድኡ መግብታት
ህሩድ ብባህሪኡ ምራተን ምቅጻልን
ኣካላትና ናይ ምእላይ ጠባይ ኣለዎ።
ዝንጅብል (Ginger)፦ ዝንጅብል ልክዕ
ከም ህሩድ ቃንዛን ምራተን ኣካላትና
ናይ ምእላይ ጠባይ ኣለዎ። ዝንጅብል
ኣብ መግቢ ወይ ኣብ ሻሂ ብምሕዋስ
ክንወስዶ ይከኣል ኢዩ። መግቢ
ንምሕቃቕን ሕማም ልቢ ንምፍዋስን
ልዑል ግደ ኢዩ ዘለዎ። Share it with your friends

ዘሐጉስ ብስራት ቃለ ሙጠየቅ ሓያል ፈላስፋ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከብሒ ዪትብ ተዘርግሑ። (interview)||||👇🏾👇🏾👇🏾
23/02/2020

ዘሐጉስ ብስራት ቃለ ሙጠየቅ ሓያል ፈላስፋ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከብሒ ዪትብ ተዘርግሑ። (interview)||||👇🏾👇🏾👇🏾

Abraham Afewerki Interview ቃለ መሕትት ኣብርሃም ኣፈወርቂ Copyright: Abraham Afewerki Music Channel. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibite...

New Eritrean love music video clip (Abraham Afewerki) ፍቕረይ💕🇪🇷😊|||ሓፈሻዊ ፍልጠት ትፈቱ ዶ፤ ክትሳተፍ'ከ ትደሊ ዶ? እወ  እንተ ኮይኑ መልስካ ኣብዚ pa...
21/02/2020

New Eritrean love music video clip (Abraham Afewerki) ፍቕረይ💕🇪🇷😊|||ሓፈሻዊ ፍልጠት ትፈቱ ዶ፤ ክትሳተፍ'ከ ትደሊ ዶ? እወ እንተ ኮይኑ መልስካ ኣብዚ page follow ብምግባር ተሳታፍ/ፊ🙏👇

Eritrea music Abraham Afewerki FKREY Copyright: Abraham Afewerki Music Channel. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited. መሰል ንብረ...

ብሓንቲ share ቤተሰባ ክትረክብ ትክእል እያ እዛ ሓፍትና ❤️please! share this post guys with your friends👥 one share could be a lot for her...
19/02/2020

ብሓንቲ share ቤተሰባ ክትረክብ ትክእል እያ እዛ ሓፍትና ❤️
please! share this post guys with your friends👥 one share could be a lot for her. This message is not only for Eritrean, it is for all Eritrean and Ethiopian♥️🇪🇷🇪🇹🙏

16/02/2020 ወጋሕታ
17/02/2020

16/02/2020 ወጋሕታ

ኣብዚ ሊንክ ብምጥዋቅ ናይ ሎም ዝነብረ ሾቶታት ኣብ መንጎ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኡጋንዳን ብጽፉፍ ተካታተሉ።||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||...
19/12/2019

ኣብዚ ሊንክ ብምጥዋቅ ናይ ሎም ዝነብረ ሾቶታት ኣብ መንጎ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኡጋንዳን ብጽፉፍ ተካታተሉ።
||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||
https://youtu.be/K_Qjjjcj_Xs

Adresse

Odense
5220

Internet side

Underretninger

Vær den første til at vide, og lad os sende dig en email, når መታን ጽባሕ ክሓሽ ካብ ሎሚ sender nyheder og tilbud. Din e-mail-adresse vil ikke blive brugt til andre formål, og du kan til enhver tid afmelde dig.

Del