Gebru Negasi

Gebru Negasi Hello guys. I am going to share with you some of the most useful innovations in this series

20/07/2025

🙂 www.millislearn.com ትምህርቲ ከምዘድልየካ ፈሊጥካ ክትመሃር ምድላይ ወይ ምጅማር ንባዕሉ ንቕሓት ይሓትት እዩ። ሓድሽ ህይወት ክትነብር ትጅርም ሓድሽ ነገር ምስ ትፈልጥ እዩ። ዓለማዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ፣ ኣብዛ ምዕብልቲ ዓለም ካብ ፍልጠት ነጻ ኮይንካ ክትነብር ምፍታን፣ የዒንቲ ከለካ ክትርኢ ዘይምኽኣል እዩ!💯

10/07/2025

ናይ ሎሚ ንግሆ ጸሎት!🙏🙏🙏

03/05/2025
01/03/2025

ተስፋ ልክዕ ከም ኣየርን ማይን ኣገዳሲ እዩ። ብህይወት ክትቅጽል ተስፋ የድልየካ። ሓደ ሓኪም ሕማም ካንሰር ካብቶም ሕሙማቱ ኣየኖት ኪሕሾም ከም ዚኽእል በዚ ዚስዕብ ሕቶ ከምዘረጋገጸ የዘንቱ፥ “ክሳዕ ሚእቲ ዓመት ትበጽሕ ክትነብር ዶ ትደሊ፧” ኢሉ ይሓቶም። እቶም ዓሚቕ ትርጉም ህይወት ዝነበሮም “እወ” ኢሎም ይምልሱ። እቶም ብህይወት ዚቕጽሉ ከኣ ንሳቶም እዮም ነይሮም። ተስፋ ካብ ዕላማ እዩ ዚምንጩ።

ተስፋኻ እንተድኣ ጸልሚቱ ስንኻ ንኸስ። ህይወትካ ብዕላማ ክትነብሮ ከለኻ ኣገራሚ ለውጥታት ከጋጥሙኻ እዮም። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፥ “ኣነ ዝሓስበልኩም ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኮነን፡ ይብል እግዚኣብሄር” ኤር 29፡11። ዘይስገር ኩነታት ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ክመስለካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኤፌ 3፡20፥ “ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ኃይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኪገብር ዚከኣሎ፡ ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ ኢየሱስ ክርስቶስ ንእኡ ክብሪ ይኵኖ። ኣሜን።”

- መጽሓፍ ብዕላማ ዝምራሕ ህይወት

https://t.me/+VNSHcWDCGkoRBizz

27/09/2023

ብዘይ ፍርሒ ትነብር እንተ ዄንካ፣ ንሰባት ተፍቅር እንተ ዄንካ፣ ነዞም ስምዒታት እዚኦም ዋላ ሓንቲ ቦታ ኣይክህልወካን እዩ። ካብዞም ስምዒታት ዋላ'ውን ንሓዲኦም ዘይተአንግድ እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝስመዓካ ምድምዳም ምኽንያታዊ እዩ። ጽቡቕ ስምዒት ዝስመዓካ እንተ ኾይኑ፣ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዅሉ ጽቡቕ ይኸውን። ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዅሉ ጽቡቕ ክኸውን ከሎ ኵሉ ነገር የሐጕሰካ። ንዅሉ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ነገራት ትፈትዎ። ምኽንያቱ፡ መንነትካ ስለ እትፈቱ፤ ምኽንያቱ፡ ብዘለኻዮ ኵነት ዕግበት ስለ ዝስመዓካ፣ ምኽንያቱ፡ ብህይወትካ ሕጕስ ስለ ዝኾንካ።

ከምዚ እንተ ኾይኑ፡ ብእትሰርሖ ፊልም ሕጕስ ኢኻ፤ ምስ ህይወትካ ብዝገብርካዮ ስምምዕ ሕጕስ ኢኻ። ሰላምን ሓጐስን ድማ ናትካ እዮም። እትነብረሉ'ውን ኣብቲ ኵሉ ነገር ኣደናቒ ዝኾነሉን ኵሉ ነገር ድማ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነሉን ናይ ሓጐስ ኵነት እዩ። ኣብቲ ናይ ሓጐስ ኵነት፣ ምስ እትረኽቦ ነገር ኵሉ፡ ወትሩ ብፍቕሪ ክትነብር ኢኻ።

‘ኣርባዕተ ስምምዓት’ - ዶን ሚጌል ሩዊዝ (ትርጕም፤ ጎይትኦም ሳህለ)

***************************************

ኣብ መንኲብ ዓርሞሽሻት ተሰቒልና ኣርሒቕና ኸነማዕዱ ኸም ዘሎና ኢና ንኣምን። ኣብ መንኲብ ዓርሞሽሻት እንስቅለሉ መገዲ ኸኣ መጻሕፍቲ ብምንባብ እዩ።

#ኣርባዕተስምምዓት

24/09/2023

ንመን ዝያዳ ትኣምን፤ ንትፈልጦዶ ወይስ ንዘይትፈልጦ? ነየናይከ ዝያዳ ትኣምን፤ ኣብ መወዓውዒ ዝረኸብካዮ ሓበሬታዶ ወይስ ብጻይካ ዝሃበካ ምስክርነት? ንመኖም ዝያዳ ትኣምን፤ እታ “ኩሉ ኣብ ዝርዝር ዘሎ ዓይነት መግቢ ጽቡቕ እዩ” እትብለካ ኣሰላፊትዶ ወይስ እቲ “እታ ጥብሲ ደርሆ’ኳ ኣይምመረጽኩልካን” ዝብለካ ኣሰላፊ? እዞም ሕቶታት’ዚኦም ኣዝዮም ቀለልቲ ኾይኖም ተሰሚዑካ? በል ነዛ ትቕጽል ሕቶ’ዚኣ ፈትና፤ ሰብ ስለምንታይ ክኣምነካ ኣሎዎ? ውልቃዊ ምስክርነት ጽልዋ ኣሎዎ፣ ናይ ካልኦት ሰባት ሚዛን ንኣምን ኢና። እዚ ድማ ሓደ ኻብ ክፋላት ድልዱላት ሕብረተሰባት እዩ። እንተኾነ ግን፡ ናይ ዝኾነ ሰብ ርእይቶ ኣይኮንናን ንኣምን። ነቶም ብእምነቶምን ክብርታቶምን ዝመስሉና ሰባት ኢና ዝያዳ እንኣምኖም። ገለ ሰብ ንጥቕሙ ኽብል ንኣና ዝጠቅም ይሓስብ ምህላው እንተ ኣሚንና ኹልና ኢና ንኸስብ። ንምዕባለ ሕብረተሰባት ዝሃነጸ ሰረት፡ ኣብ መንጐ’ቶም ናይ ሓባር እምነትን ክብርታትን ዝውንኑ ሰባት ዝርከብ እምነት እዩ።

ናይ እምነት ስምዒት ኣብቲ ስለምንታይና ዝርከበሉ ጨንፈራዊ ኽፋል ሓንጎልና እዩ ዝርከብ፣ ብዙሕ ግዜ ድማ ንሱ ጥራይ ንተመክሮኣዊ መጽናዕቲ ኽዕብልል ወይ ጥርጣረ ኽዘርእ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ናይ ዝወራ ሜላታት ኣድማዕቲ ዝኾኑሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ፣ ካልኦት ሰባት ካባና ንላዕሊ ኸም ዝፈልጡ ኢና ንኣምን። ኣብ ማስቲካ መጺእና ብርግጽ ኣርባዕተ ኻብ ሓምሽተ ሓካይም ስኒ ኻባና ንላዕሊ ኣፍልጦ ኣሎዎም፣ እቲ ሓምሻይ ሓኪምከ? እቶም ካልኦት ሓካይም ዘይፈልጡዎ ንሱ ዝፈለጦ ነገር ኣሎ ድዩ? ብርግጽ ናይ ሰብ ዝና ደገፍ ንኣምኖ ኢና። እዞም ሰብ ዝና’ዚኣቶም ሃብታማት ብምዃኖም ዝደለዩዎ ፍርያት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ንዝናኦም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ፍርያት የወዓውዑሉ ኻብ ሃለዉ እቲ ፍርያት’ቲ ጽቡቕ ክኸውን ኣሎዎ ሓቀይ?

ነዛ ሕቶ’ዚኣ ብሓሳብኩም ድሮ መሊስኩማ ትኾኑ ኢኹም። ነቲ ፍርያት ዘወዓውዑሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ገንዘብ ስለ ዝተኸፈሉ እዩ። ናይ ሰብ ዝና ደገፍ ዘይሰርሕ ነይሩ እንተ ዝኸውን ትካላት ኣይምተጠቕማሉን። ወይ ከኣ እቲ ‘ይሰርሑ ይኾኑ እዮም’ ዝብል ፍርሒ እዩ ብሚልየን ዶላር ዝዋጋኡ ምጽቃጥ ዓይንን ፍሽኽታን ተደፋፊእና ማካይን ወይ ሕብሪ ኸንፈር ነወዳድር። እቲ ሓቂ ግን ብዝፈልጦም ወይ ዝእመኑ ኾይኖም ዝስምዑዎ ሰባት ዘይጽሎ ሰብ የሎን።

'ብስለምንታይ ንጀምር' - ሳይመን ሲኔክ (ትርጕም፤ ነቢይ ሓይለኣብ)

***************************************

ኣብ መንኲብ ዓርሞሽሻት ተሰቒልና ኣርሒቕና ኸነማዕዱ ኸም ዘሎና ኢና ንኣምን። ኣብ መንኲብ ዓርሞሽሻት እንስቅለሉ መገዲ ኸኣ መጻሕፍቲ ብምንባብ እዩ።

#ብስለምንታይንጀምር

09/09/2023

The amazing canal of Corinth.....
Have you visited it?
Photo

08/08/2023

*New Laptop innovation.
Triple Screen Workstation.

Endereço

Luanda

Telefone

+251992270425

Website

Notificações

Seja o primeiro a receber as novidades e deixe-nos enviar-lhe um email quando Gebru Negasi publica notícias e promoções. O seu endereço de email não será utilizado para qualquer outro propósito, e pode cancelar a subscrição a qualquer momento.

Entre Em Contato Com O Negócio

Envie uma mensagem para Gebru Negasi:

Compartilhar